20 ተግባርና እንተ ገሊፅኪ ግና፥ ካብዝ ዘምሓልክና ማሕላ ንፁሃን ኢና” በልዋ።
ክሓሚ ዝዘውር ምስጢር የውፅእ፤ ብመንፈስ እሙን ዝኾነ ግና ንነገር ይስውር።
ኵሉ ካብ ማዕፆ ገዛኺ ንደገ ዝወፀ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ንሕና ግና ንፁሃን ኢና። ንዝኾነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ገዛኺ ዘለዉ እንተ ነኺእና ግና፥ ደሞም ኣብ ርእስና ይኹን።
ንሳ ኸዓ “ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን” ኢላ ኣፋነወቶም፤ ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኮት ኣንጠልጠለቶ።