Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 2:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ንጉስ ኢያሪኮ ኸዓ “እንሆ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ክስልይዋ፥ ሰባት ብለይቲ ናብዙይ ኣትዮም ኣለዉ” እንትበሃል ወረ ሰምዐ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 2:2
7 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ቤት እንተ ዘይሓነፀ፥ ሃነፅቲ ብኸንቱ ይደኽሙ። እግዚኣብሄር ከተማ እንተ ዘይሓልዩ፥ ሓላዊ ብኸንቱ ይተግህ።


ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።


ካብ ጥንቲ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ካብ ኢደይ ከናግፍ ዝኽእልውን የለን፤ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?”


እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።


ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።


ንጉስ ኢያሪኮ ድማ “እዞም ናባኺ ዝመፁ ናብ ገዛኺውን ዝኣተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ክስልሉ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ኣውፅኢዮም” ኢሉ ናብ ረኣብ ለኣኸ።


ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፥ ነታ ምድሪ ኽስልሉን ክምርምሩን፥ ካብ ዓሌቶም፥ ሓሙሽተ ሓያላት ሰባት፥ ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን፥ “ኬድኩም ነታ ምድሪ ሰልዩዋ” ኢሎም ሰደድዎም። ንሳቶም ከዓ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ናብ ቤት ሚካ መፁ፤ ኣብኣውን ሓደሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos