19 ኵሉ ካብ ማዕፆ ገዛኺ ንደገ ዝወፀ፥ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ንሕና ግና ንፁሃን ኢና። ንዝኾነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ገዛኺ ዘለዉ እንተ ነኺእና ግና፥ ደሞም ኣብ ርእስና ይኹን።
“ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኣነ ቐቲለዮ’ ኢልካ ባዕልኻ ስለ ዝመስከርካ፥ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” ድማ በሎ።
ዝገደደ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ክፉኣት ሰባት ነቲ ቕኑዕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ቀተልኩምዎ፤ ሕዚ እውን ደሙ ኻብ ኣእዳውኩም ክደልዮ እየ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍአኩም እየ” ኢሉ መለሰሎም።
ነቶም ካብኡ ዝቐንዑን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት እንተይፈለጠ፥ ብሰይፊ ወቒዑ ስለ ዝቐተሎም፥ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊኡ ይምለሰሉ።
እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ።
ዕትሪ ስምዕዛ ውሰዱ፤ ኣብቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ከዓ ጥምዕዎ፤ ነቲ ላዕለዋይ ድርኵዂትን ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን፥ በቲ ኣብ ሒላብ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ንግሆ ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኻብ ገዛኡ ኣይውፃእ።
እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል ክሓልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን፥ ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረአየ ኸዓ ነታ በሪ ኽሓልፋ እዩ፤ እቲ መጥፍኢ ናብ ገዛኹም ኣትዩ ኽወቕዐኩም ኣይሓድጎን።
ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፥ ንሕፍረት ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ደሞም ኣብ ልዕሊኣቶም እዩ እሞ።
ዝኾነ ሰብ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ዝፀረፈ ብሞት ይቀፃዕ። ንኖኡን ነቦኡን ፀሪፉ እዩ እሞ፥ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ።
እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝፀንሐ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኡ ንዘሎ ኽወስድ ኣይውረድ፤
ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ግና፥ ክዳኑ ነጊፉ፥ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፤ ኣነ ንፁህ እየ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።
ስለዙይ ካብ ደም ኵልኻትኩም ንፁህ ምዃነይ፥ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣለኹ።
ጳውሎስ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወታደራትን “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይፀኒሖም፥ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።
እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።
ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!
ሕዚ ኸዓ በይዛኻትኩም፥ ኣነ ፅቡቕ ገይረልኩም እየ እሞ፥ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፥ ነቦይን ንኖይን ነሕዋተይን ነሓተይን ንዅሎም ሰቦምን ብህይወት ክትሓድግዎም፥ ካብ ሞት እውን ክተድሕኑና ብእግዚኣብሄር መሓሉለይ፤ ዘተኣማምን ምልክት ከዓ ሃቡኒ” በለቶም።
እቶም ሰባት ከዓ “እቲ እንገብሮ ዘለና እንተ ዘይገሊፅኪ፥ ነፍስና ኽንዲ ነፍስኹም ንሞት ነሕልፍ። እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሃበና፥ ብሓቂ ምሕረት ክንገብረልኪ ኢና” በልዋ።
ተግባርና እንተ ገሊፅኪ ግና፥ ካብዝ ዘምሓልክና ማሕላ ንፁሃን ኢና” በልዋ።