17 እቶም ሰባት ከዓ “ንሕና ነዝ ዘምሓልክና ማሕላ ኽንሕልዎ ኢና።
እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።
“ስመይ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል፤ እግዚኣብሄር ንስሙ ብኸንቱ ዘልዓለ ካብ በደል ኣየንፅሆን እዩ እሞ።
ሰብ ንእግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክህቦ እንተ ተመባፅዐ፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢሉ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐ፥ ከምቲ ዝበሎ ደኣ ይፈፅም እምበር፥ ቃሉ ኣይዕፀፍ።
ንስኺ ድማ ኸምዙይ ግበሪ፦ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ እንተለና፥ ነዝ ቐይሕ ገመድ እዙይ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኮት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ንኖኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺ እውን ናብዙይ ናብ ገዛኺ ኣክቢዮም።
ተግባርና እንተ ገሊፅኪ ግና፥ ካብዝ ዘምሓልክና ማሕላ ንፁሃን ኢና” በልዋ።