15 ገዛኣ ኣብ ጥቓ ቕፅሪ መንደቕ እታ ኸተማ ነበረ እሞ፥ ገመድ ገይራ ብመስኮት ኣውረደቶም።
እንተ ኾነ፥ እቶም ደቀ መዛሙርት ብለይቲ ወሲዶም፥ ኣብ ቅርጫት ገይሮም ብቕፅሪ ኣውረድዎ።
ስለዙይ ኣብ ከፈር ገይሮም፥ በቲ ኣብቲ ቕፅሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ፥ ካብ ኢዱ ኣምለጥኩ።
እቶም ሰባት ከዓ “እቲ እንገብሮ ዘለና እንተ ዘይገሊፅኪ፥ ነፍስና ኽንዲ ነፍስኹም ንሞት ነሕልፍ። እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሃበና፥ ብሓቂ ምሕረት ክንገብረልኪ ኢና” በልዋ።
“እቶም ዝደልዩኹም ዘለዉ ኸይረኽቡኹምስ ናብ ጎቦታት ኣቢልኩም ኪዱ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝምለሱ ኸዓ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ። ድሕሪኡ መንገድኹም ቀፅሉ” በለቶም።
መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። እቶም ህዝቢ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዑ፥ ዓው ኢሎምውን ድምፂ ምስ ኣስምዑ፥ እቲ መንደቕ ፈረሰ። ነፍሲ ወከፍ በብዘለዎ ደዪቡ ናብታ ኸተማ ሰተት ኢሉ ኣተወ፤ ነታ ኸተማ ድማ ሓዝዋ።