11 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣብ ታሕቲ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ በቲ ዝሰማዕናዮ ልብና መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካባኻትኩም ዝተልዓለ ንሓደ እኳ ነፍሲ ኣይተረፎን።
ሽዑ ንእማን ምስ ኵሎም ሓሻኽሩ ተመሊሱ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፀ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ “እንሆ፥ ሕዝስ እንትርፊ ኣምላኽ እስራኤል ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ፈለጥኩ፤ ሕዚ ኸዓ፥ ካብ ሓሽከርካ ገፀ በረኸት በይዛኻ ተቐበል” በሎ።
ኵሎም እቶም ፀላእትና ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ዙርያና ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብውን ምስ ረአዩ ፈርሑ፤ ብሓሳባቶም ድማ የመና ተዋረዱ፤ እዝ ስራሕ እዙይ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም ዝተፈፀመውን ፈለጡ።
ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።
ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ ንስምካ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ እውን ንኽብርኻ ኽፈርሑ እዮም።
ከም ማይ ፈሰስኩ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ተፈላለየ፤ ልበይ ከም ሽምዒ ኾነ፤ ኣብ ማእኸል ኣምዑተይውን መኸኸ።
ከም ዝውሕዝ ማይ ክመኩ እዮም፤ ክሳዕ ዘድክሞም ፍላፃታቱ ይግትር።
ስምካ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ እውን ንስኻ በይንኻ ልዑል ከም ዝኾንካ ይፍለጡ።
ኣህዛብ ሰሚዖም ኣንቀጥቀጡ፤ ኣብ ፍልስጥኤም ንዝነብሩውን ቅልውላው ሓዞም።
መኳንንቲ ኤዶምያስ ተሸበሩ፤ ንመራሕቲ ሞኣብ ራዕዲ ሓዞም፤ ኣብ ከነዓን ዝነብሩ ዅሎምውን መኸኹ።
ስለዙይ ኣእዳው ደቂ ሰብ ክለምሳ እየን፤ ልቢ ዅሉ ሰብ ከዓ ኽመክኽ እዩ።
ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።
ልቦም ምእንቲ ኽመክኽ ዕንቅፋቶም ከዓ ኽበዝሕስ፥ ዝቐትል ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደገታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ፤ ወዮ! ኸም በርቂ መስመስ ይብል፤ ክሓርዱሉ ኸዓ ተስሒሉ ኣሎ።
ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤ ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤ ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።
ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም።
እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ወሲኾም ነቶም ህዝቢ፦ ‘ፈራሕ ሰብ፥ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ? ኸምቲ ልቡ፥ ልቢ ኣሕዋቱ ኸዓ ኸየሸብርስ፥ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ይበልዎም።
“እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ፥ ኣብ ታሕቲ ኸዓ ኣብ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለውን፥ ሎሚ ፍለጡ፤ ኣብ ልብኹም ድማ ዕቘርዎ።
እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ብፍርሒ ኸም ዝርዕድ ገበርዎ፤ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብምሉእ ልበይ ኣመንክዎ።
ንኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ብሓቂ ንዅላ እታ ሃገር ኣብ ኢድና ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኸዓ ብምምፃእና ፈሪሖም ይርዕዱ ኣለዉ” በልዎ።
ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን፥ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነዓናውያንን፥ ደቂ እስራኤል ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገርዎ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ማይ ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀፆ ምስ ሰምዑ፥ ብፍርሓት ልቦም መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ነፍሲ ኣይተረፈሎምን።
ናይ ጋይ ሰባት ካብኣቶም ኣስታት ሰላሳን ሽዱሽተን ሰባት ቀተሉ፤ ካብ ደገ እታ ኸተማ ኽሳዕ ሸባሪምውን ኣሳጐጕዎም። ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ልቢ እቶም ህዝቢ መኸኸ፤ ከም ማይውን ኮነ።
ንሳቶም ድማ ንኢያሱ “እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ዅላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኽህበኩም፥ ኣብዛ ሃገር ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ ኻብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም ከም ዝኣዘዞ፥ ሰሚዕና ኢና። ስለዙይ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና የመና ስለ ዝፈራሕና ኢና እዝ ነገር እዙይ ዝገበርና።
ንእምባታትን ነኻውሕን ድማ፥ “ካብ ገፅ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ካብ ቍጥዓ እቲ በጊዕን፥ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና።