Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 2:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 እቲ ኻብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም፥ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀፆ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከዓ ዝገበርኩምዎ፥ ንሴዎንን ንዓግን ከም ዘጥፋእኹምዎም ሰሚዕና ኢና።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 2:10
13 Referencias Cruzadas  

ዓይኒ ማያትን ወሓዝትን ሰንጠቕካ፤ ንስኻ ነቶም ኵልሻዕ ዝውሕዙ ሩባታት ኣንቀፅካ።


ሙሴ ድማ ኻብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ከምዙይ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ሓውካ ዝኾነ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።


እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ከም ናይ ሓርሽ ዝበለ ሓይሊ ኣለዎም።


እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፅኦ፤ ሓይሉ ኸም ናይ በዓል ሓደ ቀርኒ ሓርሽ እዩ፤ ነቶም ዝፃረርዎ ኣህዛብ ክበልዖም እዩ፤ ነዕፅምቶምውን ክሰባብሮ እዩ፤ ብፍላፃታቱውን ክወግኦም እዩ።


ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን።


ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ዘሳጉግ ዕኮት ቀቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር፥ ብሰይፍኹምን ብቐስትኹምን ኣይሰጐጕኩምዎምን።


እዙይውን ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዘለኣለም ምእንቲ ኽትፈርሕዎ እዩ ኢልኩም ንገርዎም።”


ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን፥ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነዓናውያንን፥ ደቂ እስራኤል ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገርዎ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ማይ ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀፆ ምስ ሰምዑ፥ ብፍርሓት ልቦም መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ነፍሲ ኣይተረፈሎምን።


እቲ ነቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንሴዎን ንጉስ ሓሴቦንን፥ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን፥ ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos