7 ዓይንን ሪሞንን ዔተርን ዓሻንን፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ከምኡውን ዔጣም፥ ዓዪን፥ ሪሞን፥ ቶኬን፥ ዓሻን ዝበሃላ ሓሙሽተ ኸተማታት ነበራኦም።
ልባዎትን ሺልሂምን ዓይንን ሪሞንን። ኵለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ።
ልብናን ዔቴርን ዓሻንን፥
ቤተ ለባኦት ሻሩሔንን፥ ኵለን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኣተን ክሳዕ ባዕላትብዔር፥ ወይ እታ ናይ ደቡብ ራማት፥ ዘለዋ ዅለን ዓድታት እውን ምስኣተን እየን። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ።
ኣብ ሔርማ፥ ኣብ ቦርዓሻን፥ ኣብ ዓታኽ፥