5 ፂቅላግን ቤትማርካቦትን ሓፀርሱሳን፥
ኣብ ቤት ማርካቦት፥ ኣብ ሃፀር ሲሲም፥ ኣብ ቤት ብርኢ፥ ኣብ ሸዓራይም፥ ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክሳዕ ዝነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ።
ፂቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፥
ኤልቶላድን በቱልን ሔርማን፥
ቤተ ለባኦት ሻሩሔንን፥ ኵለን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ኣንኩስ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኸተማ ፂቅላግ ሃቦ። ስለዙይ ፂቅላግ ካብኡ ንደሓር ናይ ነገስታት ይሁዳ ኾነት።
ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ መፁ። እንሆ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንፂቅላግን ድማ ሓደጋ ኣውዲቖምለን ነበሩ። ንፂቅላግ ከዓ ዘሚቶም ብሓዊ ኣቃፂሎምዋ ነበሩ።