49 ነታ ምድሪ በብወሰና ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል ንኢያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእኸሎም ርስቲ ሃብዎ።
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ ኸተማ ቲምናት ሴራ ሃብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፤ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ።
ኣብታ ወሰን ርስቱ፥ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ፥ ኣብ ቲምናት ሔረስ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ድማ ቐበርዎ።