47 ደቂ ዳን ምስ ፀገሞም ንሌሼም ተዋጊኦም ሓዝዋ፤ ነቶም ህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ፤ ንሌሼም ድማ ብስም ኣቦኣቶም “ዳን” ኢሎም ሰመይዋ።
ናብተን ኣብ ምድሪ ኬጢያውያን ዝርከባ ገለዓድን ቃዴስን ድማ ኣተዉ። ሽዑ ናብ ዳንየዓንውን በፅሑ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ምዕራብ ሲዶና ኸዱ።
ብዛዕባ ዳን ኸምዙይ በለ፦ “ዳን ካብ ባሳን ዝዘልል ሽደን ኣንበሳ እዩ።”
ሜያርቆንን ራቆንን፥ እቲ ኣብ መንፅር ኢዮጴ ዘሎውን ምስኡ ይቝፀር ነበረ።
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።