39 እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ቍሸታተን ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ፤ ንኸተማታት እስራኤል ክወግእወን ድማ ሰራዊቱ ሰደደ፤ ንዒዮንን ንዳንን፥ ኣቤልቤት መዓካን ኪኔሬትን ምስ ኵላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዓረን።
ኣብ ወሰን ኣሴር ከዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ፥ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
ዪርኦንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሳሜስን፥ ኵለን ዓሰርተ ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
እቲ ሻውዓይ ዕፃ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም በፅሖም።