33 ወሰኖም ድማ ኻብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ፀዕነኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚኔቈብን ያብነኤልን ክሳዕ ለቁም በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይድይብ።
እቲ ሻድሻይ ዕፃ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም በፅሖም።
ንምዕራብ ኣቢሉ ኸዓ፥ ናብ ኣዝኖትታቦር ይበፅሕ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ሑቆቅ ይወፅእ እሞ፥ ብደቡብ ናብ ዛብሎን፥ ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ድማ ብዮርዳኖስ ናብ ይሁዳ ይበፅሕ።
ሔቤር እቲ ቄናዊ ግና ኻብቶም ቄናውያን፥ ደቂ ኦባብ ሓሙ ሙሴ ተፈልዩ፤ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፥ ኣብ ፃዕናይም ክሳዕ ዘሎ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ኦም ድንኳኑ ተኸለ።