29 እቲ ወሰን ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ ዝተዓረደት ከተማ ጢሮስ ይበፅሕ፤ ከምኡውን ወሰኑ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይሓልፍ።
መሊሳ ኸዓ ወዲ ወለደት፤ ሴሎም ኢላውን ሰመየቶ። ንእኡ ኽትወልድ እንተላ፥ ክዚብ ኣብ ዝበሃል ሃገር ነበረት።
ካብኡ ናብ ደቡብ ሓሊፎም ናብታ ዕርድቲ ኸተማ ጢሮስ ከዱ፤ ካብኡ ድማ ናብ ኵለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነዓናውያንን ከዱ። ናብ ደቡብ ይሁዳ ዘላ ቤርሳቤህ እትብሃል ድማ በፅሑ።
ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻት ሰደደሉ። ምስኣቶም ድማ ኦም ፅሕድን ፀረብትን ሃነፅትን፥ ወቐርቲ እምንን ሰደደሉ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊት ቤት ሃነፁሉ።
ንጉስ ሰሎሞን ኣብ እምባ ኣእማን ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ነቲ ዝተወቕረ እምኒ ዝስከሙ ኸዓ ሰብዓ ሺሕ ነበርዎ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ገፅካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ።
ስለዙይ ንሞሬሼትጌት ውህብቶ ኽትወሃቢ ኢኺ፤ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል መጠበሪ ክኾኑ እዮም።
ጢሮስውን ንባዕላ ዕርዲ ሰሪሓ ኣላ፤ ንብሩር ከም ሓመድ፥ ንፅሩይ ወርቂ ድማ ኸም ጭቃ መንገዲ ደለበት።
ገባዖንን ራማን ብኤሮትን፥
ዑማን ኣፌቅን ረኣብን፥ ኵለን ዕስራን ክልተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ደቂ ኣሴርውን ነቶም ኣብ ዓኮንን ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሒልባንን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ረዓብን ይነብሩ ንዝነበሩ ኣየውፅእዎምን።