27 ንምብራቕ ፀሓይ ኣቢሉ ናብ ቤትዳጎን ይምለስ፤ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔሜቅን ንዒኤልን በፂሑ፥ ብፀጋም ናብ ካቡል ይድይብ።
“ሓወይ፥ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ዝኸተማአን እየን” ድማ በለ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝስመያኦ ዘለዋ ኸዓ፥ ምድሪ ከቡል ኢሉ ሰመየን።
ግዴሮትን ቤትዳጎንን ናዕማን መቄዳን እየን። ኵለን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።
እቲ ወሰኑ ድማ ንኣኣ ዘይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብልሞ፥ ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይበፅሕ፤
ኣላሜሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን ነበረ፥ ብወገን ምዕራብ ከዓ ናብ ቀርሜሎስን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበፅሕ።
ናብ ቤት ዳጎን ኣእትዮም ከዓ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ።