Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 19:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26 ኣላሜሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን ነበረ፥ ብወገን ምዕራብ ከዓ ናብ ቀርሜሎስን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበፅሕ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 19:26
15 Referencias Cruzadas  

ሕዚ ኸዓ ልኢኽካ ንዅሉ እስራኤልን ነቶም ኣብ ማእዲ ኤልዛቤል ዝበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነቢያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነቢያት ኣስታተርን ናባይ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣክበለይ” በሎ።


ኣክኣብ ድማ ልኢኹ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ነቶም ነቢያት ጣዖት በዓልን ናብ እምባ ቀርሜሎስ ኣከቦም።


ሽዑ ኣክኣብ ክበልዕን ክሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፤ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸዓ ገፁ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ፤ ብግምባሩውን ተደፍአ።


ቀፂሉ ኸዓ ናብ እምባ ቀርሜሎስ ከደ፤ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመለሰ።


ካብ ነገድ ኣሴር፥ ማሻልን ዓብዶንን፥


ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም እምባ ቀርሜሎስ እዩ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፤ ብቝኖኺ እቲ ንጉስ ተማረኸ።


እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።


ኣፀቢቑ ኽዕምብብ፥ ብምስጋናን ብደስታን ዕልል ክብል እዩ። ክብሪ ሊባኖስን ግርማ ቀርሜሎስን ሳሮንን፥ ክወሃቦ እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ግርማ ኣምላኽናን ክሪኡ እዮም።


ሓሽከርካ ልኢኽካ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢልካ ፀረፍካዮ፤ “ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደዪበ ነቲ ፀፅቡቕ ፅሕድታቱን ንነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርፆ እየ። ናብቲ ላዕለዋይ ጫፉን፥ ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበፅሕ እየ።


ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።


ማዖን ቀርሜሎስ ዚፍ ዩጣ ኢይዝራኤል፥


ወሰኖም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣዚፍን።


ንምብራቕ ፀሓይ ኣቢሉ ናብ ቤትዳጎን ይምለስ፤ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔሜቅን ንዒኤልን በፂሑ፥ ብፀጋም ናብ ካቡል ይድይብ።


ካብ ነገድ ኣሴር ከዓ ሚሽኣል ምስ መዋፈሪኣ፥ ዓብዶን ምስ መዋፈሪኣ፥


ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ክረኽቦ ኢሉ ኣንጊሁ ተስአ። እንተ ኾነ “ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ ከይዱ ኣሎ፤ እንሆ ድማ፥ ንእኡ ዝኸውን ናይ መዘከርታ ሓወልቲ ኣቚሙ ዘይሩ ሓሊፉ፤ ናብ ጌልጌላውን ወሪዱ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos