22 እቲ ወሰን ከዓ ናብ ታቦርን ሻሓፁማን ቤትሳሜስን ይበፅሕ። ቀፂሉ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ፤ ኵለን ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታትን ቍሸታትን እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ወዲ ዴቀር ኣብ ማቃፅን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤትሳሜስን ኣብ ኤሎንቤትሓናንን፥
ንደቂ ጌድሶን ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብታ ኣብ ባሳን ዘላ ነገድ ምናሴን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማ ሃብዎም።
ካብቶም ዝተረፉ ደቂ ሌዊ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ እዘን ዝስዕባ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ተቐበሉ፦ ካብ ነገድ ዛብሎን፥ ሬሞንን ታቦርን መምስ መዋፈሪኣተን፤
ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮም፤ ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ።
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
ካብ ሳሪድ ከዓ ናብ ምብራቕ፥ ናብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ወሰን ኪስሎትታቦር ይበፅሕ፤ ናብ ደብራት ኣቢሉ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ።
ሬሜትን ዓይንጋኒምን ዓይንሓዳን ቤትጳፄፅን ይበፅሕ።
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም እየን።
ዪርኦንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሳሜስን፥ ኵለን ዓሰርተ ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ዓይን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዮጣህ ምስ መዋፈሪኣ፥ ቤትሳሜስ ድማ ምስ መዋፈሪኣ፥ ብምሉአን ካብዞም ክልተ ነገዳት እዚኣቶም ትሽዓተ ኸተማታት ሃብዎም።
ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ናብ እምባ ታቦር ከም ዝደየበ ንሲሳራ ነገርዎ።
ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ።