16 እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
እዙይውን፥ ቀጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ይዳላን ቤተልሔምን፥ ዝበሃላ ዅለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
እቲ ራብዓይ ዕፃ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም በፅሖም፦