15 እዙይውን፥ ቀጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ይዳላን ቤተልሔምን፥ ዝበሃላ ዅለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ዳዊት ድማ፥ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ኮን ማይ መስተየኒ?” በለ።
ንሳተንውን ቤተ ልሔምን፥ ኤጣምን፥ ቴቁሔን፥
ኢያቢስ ንጉስ ሓፆር እስራኤላውያን ከም ዝሰዓሩ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፥
ንጉስ ሺምሮን ሚሮን፥ ንጉስ ኣዚፍ፥
እቲ ወሰኑ ድማ ንኣኣ ዘይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብልሞ፥ ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይበፅሕ፤
እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
ከምኡ ድማ ደቂ ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂድሮንን ኣብ ነህሎልን ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ ከነዓናውያን ኣብ ማእኸሎም ተቐመጡ፤ ገባራቶም ድማ ኮኑ።
ድሕሪ ዮፍታሔ ኸዓ ኢብፃን በዓል ቤተ ልሔም ንእስራኤል ፈራዲ ኾነ።
ሓደ ሌዋዊ መንእሰይ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ወሰንተኛ ኾይኑ ምስ ደቂ ይሁዳ ይቕመጥ ነበረ።
ክልቲአን ናብ ቤተ ልሔም ተጕዓዛ። ናብ ቤተ ልሔም ምስ ኣተዋ ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ተገሪሙ ብምሉኡ ወፀ። “እዚኣስ እምበርዶ ኑሓሚን እያ” እናበሉ ዋጭ ዋጭ በሉ።