14 እቲ ወሰኑ ድማ ንኣኣ ዘይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብልሞ፥ ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይበፅሕ፤
ካብኡ ኸዓ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፍርን ናብ ዒታቃፂንን ይሓልፍ፤ ቀፂሉውን ናብታ ናብ ኔዓ እትበፅሕ ሪምንናን ይሓልፍ።
እዙይውን፥ ቀጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ይዳላን ቤተልሔምን፥ ዝበሃላ ዅለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ንምብራቕ ፀሓይ ኣቢሉ ናብ ቤትዳጎን ይምለስ፤ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔሜቅን ንዒኤልን በፂሑ፥ ብፀጋም ናብ ካቡል ይድይብ።