13 ካብኡ ኸዓ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፍርን ናብ ዒታቃፂንን ይሓልፍ፤ ቀፂሉውን ናብታ ናብ ኔዓ እትበፅሕ ሪምንናን ይሓልፍ።
ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብባርያኡ ነቢይ ዮናስ ወዲ ኣማቴ በዓል ጋትሔፌር ዝተዛረቦ ቓል፥ ነቲ ምድሪ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዘእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው ኣምለሶ።
ካብ ሳሪድ ከዓ ናብ ምብራቕ፥ ናብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ወሰን ኪስሎትታቦር ይበፅሕ፤ ናብ ደብራት ኣቢሉ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ።
እቲ ወሰኑ ድማ ንኣኣ ዘይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብልሞ፥ ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይበፅሕ፤