12 ካብ ሳሪድ ከዓ ናብ ምብራቕ፥ ናብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ወሰን ኪስሎትታቦር ይበፅሕ፤ ናብ ደብራት ኣቢሉ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ።
ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ቃዴስን ዳብራትን፥
ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮም፤ ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ።
ብወገን ምዕራብ ናብ መርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ደባሼት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንፅር ዮቅንዓም ዘሎ ሩባ ይበፅሕ።
ካብኡ ኸዓ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፍርን ናብ ዒታቃፂንን ይሓልፍ፤ ቀፂሉውን ናብታ ናብ ኔዓ እትበፅሕ ሪምንናን ይሓልፍ።
እቲ ወሰን ከዓ ናብ ታቦርን ሻሓፁማን ቤትሳሜስን ይበፅሕ። ቀፂሉ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ፤ ኵለን ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታትን ቍሸታትን እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂስን ምስ መዋፈሪኣ፥ ዳብራት ምስ መዋፈሪኣ፥
ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ናብ እምባ ታቦር ከም ዝደየበ ንሲሳራ ነገርዎ።
ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ።