Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 18:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 እቶም ሰባት ድማ ተሲኦም ከዱ። ኢያሱ ኸዓ ነቶም ነታ ምድሪ ኽመቕልዋ ዝኸዱ፥ “ኺዱ ነታ ምድሪ እናዞርኩም ፀሓፍዋ፤ ናባይ ድማ ተመለሱ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 18:8
13 Referencias Cruzadas  

ተስእ፤ እዛ ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ እሞ ንውሓታን ግፍሓታን ኪዳ” በሎ።


ንሱ እዩ ዕፃ ዘውደቐሎም፥ ኢዱውን ብገመድ ከፈለትሎም። ንሳቶም ከዓ ንዘለኣለም ይገዝእዋ፤ ንውሉድ ወለዶውን ክነብርዋ እዮም።


እምበኣር ኣሰር ሰላምን፥ ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነፀሉ ነገርን፥ ንስዓብ።


እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።”


ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸምዙይ እዩ፦ ብወገን ደቡብ ክሳዕ ወሰን ኤዶምያስ፥ ክሳዕ ጫፍ ምድረ በዳ ሲን ዝበፅሕ ነበረ።


ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።


ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።


ንስኻትኩም ከዓ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ፅሒፍኩም ናብዙይ ኣምፅኡለይ፤ ኣነ ድማ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ።


እቶም ሰባት ከዓ ኸይዶም ነታ ሃገር ዞርዋ፤ በብኸተማ ድማ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ መቒሎም፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፍዋ፤ ናብ ሴሎ ናብቲ ኢያሱ ዝሰፈሮ ድማ ተመለሱ።


ሳኦል ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ስለ ምንታይ ኢኻ ሎሚ ንኣይ ንባርያኻ ዘይመለስካለይ? እዝ በደል እዙይ ናተይ ወይ ናይ ዮናታን ወደይ እንተ ኾይኑ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብኡሪም መልሰለይ፤ እዝ በደል እዙይ ናይ ህዝብኻ ህዝቢ እስራኤል እንተ ኾይኑ ግና ብቱሚም ጌርካ መልሰለይ” ኢሉ ፀለየ። ሽዑ እቲ ዕፃ ናብ ዮናታንን ሳኦልን በፅሐ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ሓራ ወፁ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos