7 እቶም ሌዋውያን ግና፥ ርስቶም ብኽህነት ንእግዚኣብሄር ምግልጋል እዩ እሞ ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም ርስቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።”
እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸሎምውን ርስቲ ኣየሃሉኻ፤ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ብፅሒትካን ርስትኻን ኣነ እየ።
ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉን ሓላፍነት ዘለዎምን ሌዋውያን እዮም። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይካፈሉ።
ኣብቲ መሰውእን ኣብቲ ውሽጢ መጋረጃን ዘሎ ግና ንስኻን ደቅኻን ብኽህነት ኣገልግሉን ሓልውን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህብቶ ሂበኩም ኣለኹ። ካልእ ኣብ መቕደስ እንተ ቐረበ ግና፥ ይቀተል።”
ስለዙይ ሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረቦ ርስቱ እግዚኣብሄር እዩ።
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም።
ንነገድ ሌዊ ግና፥ ከምቲ ዝበሎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝኾነ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን።