Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 18:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ንስኻትኩም ከዓ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ፅሒፍኩም ናብዙይ ኣምፅኡለይ፤ ኣነ ድማ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 18:6
11 Referencias Cruzadas  

ከምዙይ ድማ በለ፦ “ንኣኻ ምድሪ ከነዓን፥ ብፅሒት ርስትኻትኩም ክትኮነኩም ክህብ እየ።”


ዕፃ ኣብ ሕቝፊ ይወድቕ፤ ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።


ዕፃ ንባእሲ ይከላኸል፤ ኣብ ማእኸል ሓያላትውን ይብይን።


ነታ ምድሪ በብዓሌትኩም ብዕፃ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሃብዎም፤ ነቶም ውሑዳት ድማ ፀቢብ ርስቲ ሃብዎም። ነፍሲ ወከፍ እታ ዕፃኡ ዝበፅሐቶ ርስቱ ትኸውን፤ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ውረሱ።”


ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ።


ካብ ምድሪ ከነዓን ሸውዓተ መንግስታት ኣጥፊኡ ኸዓ፥ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም።


ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቶም ትሽዓተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ረርስቶም ብዕፃ ኣካፈልዎም።


ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።


እቶም ሌዋውያን ግና፥ ርስቶም ብኽህነት ንእግዚኣብሄር ምግልጋል እዩ እሞ ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም ርስቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።”


እቶም ሰባት ድማ ተሲኦም ከዱ። ኢያሱ ኸዓ ነቶም ነታ ምድሪ ኽመቕልዋ ዝኸዱ፥ “ኺዱ ነታ ምድሪ እናዞርኩም ፀሓፍዋ፤ ናባይ ድማ ተመለሱ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos