Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 18:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኢያሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ንምውራስ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ?

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 18:3
15 Referencias Cruzadas  

ኢድ ሃካይ ድኻ ትገብር፤ ኢድ ትጉህ ግና ሃብታም ትገብር።


ነፍሲ ሃካይ ሰብ ትምነ፥ ግና ሓንቲኳ ኣይትረክብን፤ ነፍሲ ትጉሃት ግና የመና ትፀግብ።


መንገዲ ሃካይ ከም ሓፁር ዕሾኽ እያ፤ መንገዲ ፃድቃን ግና ዝተደላደለት ጐደና እያ።


ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ንኢየሩሳሌም፥ “ኦ ኸተማ ፅዮን፥ ኣይትፍርሒ፤ ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ።


ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ሰዓትውን ወፂኡ፥ ካልኦት ደው ዝብሉ ረኸበ፤ ‘ንምንታይ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ስራሕ ኣብዙይ ደው እትብሉ?’ በሎም።


እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።


“እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ።


ኢያሱ ድማ ዕድመ ፀጊቡ ኣሪጉ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዊሕ ዘመን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፤ ገና ድማ እትተሓዝ ገፋሕ ምድሪ ተሪፋ ኣላ።


እንተ ኾነ ኻብ ደቂ እስራኤል ርስቶም ዘይተቐበሉ ሸውዓተ ነገድ ተሪፎም ነበሩ።


ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሰሰለስተ ሰባት ሕረዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽልእኾም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸይዶም ነታ ሃገር ይዙርዋ፤ ብመጠን ርስቶምውን ፅሒፎም ናባይ የምፅእዎ።


ንሳቶም ከዓ “እታ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ኸም ዝኾነት ርኢናያ ኣለና። ተልዓሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ንደይብ። ንስኻትኩምከ ስቕ ዲኹም እትብሉ? ንምኽያድ፥ ኣቲኹምውን ነታ ምድሪ ንምውራስ ሸለል ኣይትበሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos