2 እንተ ኾነ ኻብ ደቂ እስራኤል ርስቶም ዘይተቐበሉ ሸውዓተ ነገድ ተሪፎም ነበሩ።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።
ኢያሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ንምውራስ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ?