19 ቀፂሉ ኸዓ ብፀግዒ ሰሜን ቤትሖግላ ይሓልፍ፤ ካብኡ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ናብ ደቡብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይሓልፍ፤ ብወገን ደቡብ ወሰኑ እዙይ እዩ።
እዚኣቶም ኵላቶም ናብቲ ጐልጐል ሲዲም ተብሂሉ ዝፅዋዕ ባሕሪ ጨው ተኣከቡ።
ነዘን ከተማታት እዚኣተንን፥ ንዅሉ ጐላጕልን፥ ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብን፥ ኣብኡ ንዝነበረ በቝሊ ምድርን ገለባበጠ።
እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ።
ብወገን ደቡብ፥ ካብቲ ብወገን ኤዶምያስ ዘሎ ምድረ በዳ ፂን ይኹን። ብወገን ምብራቕ፥ ካብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።
ብምዕራብ ከዓ ምስ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ካብ ኪኔሬት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ይበፅሕ ነበረ።
ከምኡ ድማ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ገሊላ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ብመንገዲ ቤት ያሲሞት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ ኻብ ባሕሪ ጨው ብደቡብ ድማ ኽሳዕ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።
ወሰኖም ብወገን ደቡብ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።
ነቲ ኣብ መንፅር ፀግዒ ሰሜን ዓረባ ዘሎ ሓሊፉ፥ ናብ ዓረባ ይወርድ።
ብወገን ምብራቕ ከዓ ወሰኑ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ወሰኑ ብዙርያኡ እዙይ እዩ።
እቲ ኻብ ላዕሊ ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ቆመ። ኣብ ርሑቕ፥ ኣብታ ኣብ ጥቓ ፃርታ ዘላ፥ ኣዳም እትበሃል ከተማ ኸም ኲምራ ኾይኑ ተቘለለ። እቲ ናብ ባሕሪ ዓረባ ናብ ባሕሪ ጨው ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ከዓ ፈፂሙ ኣቋረፀ። እቲ ህዝቢ ድማ ብመንፅር ኢያሪኮ ተሳገረ።