17 ቀፂሉ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ቤት ሳሚስ ይድይብ፤ ናብቲ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ደዪቡ ኸዓ፥ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ።
እቲ ወሰን ከዓ ንቤት ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት ዓረባ ይሓልፍ፥ እቲ ወሰን ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።
እቲ ወሰን ከዓ ኻብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፤ ከምኡ ኸዓ ናብ ሰሜን፥ ንጌልገላ ኣቢሉ ይጥምት፤ ንሱ ኸዓ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወገን ደቡቡ ነቲ ሩባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፤ እቲ ወሰን ድማ ንማይ ዔይን ሳሚስ ይሓልፍ፤ ናብ ዔንሮጌል ይወፅእ።
ነቲ ኣብ መንፅር ፀግዒ ሰሜን ዓረባ ዘሎ ሓሊፉ፥ ናብ ዓረባ ይወርድ።