14 እቲ ወሰን ድማ ቐፂሉ ኻብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ብደቡብ ዘሎ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት በዓል፥ ወይ ቂርያት የዓሪም፥ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወፅእ። እዙይ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ።
ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን፥ ነቲ ብስም እቲ “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ጐይታ ሰራዊት” ዝፅዋዕ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ኻብ ዘላ ኻብ በኣል ተልዒሎም ከምፅእዎ ኸዱ።
ቂርያትይዓሪም፥ ወይ ቂርያትበኣል ረባት። ክልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ኣለዋ።
ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ።
ካብኡ ኸዓ ናብቲ ደቡባዊ ፀግዒ ሎዛ፥ ናብ ቤቴል ይሓልፍ። በቲ ናብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤትሖሮን ዘሎ ጎቦ ኣቢሉ ድማ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ።
ብወገን ደቡብ ድማ ኻብ ወሰን ቂርያት የዓሪም ንምዕራብ ኣቢሉ ይሓልፍ፤ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይድይብ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።
እቲ ኻልኣይ ክፍሊ ኸዓ ናብ ቤትሖሮን ኣቢሉ ኸደ፤ እቲ ሳልሳይውን ናብቲ ኣብ ለሰ ሰቦይም ማዕዶ ወሰን፥ ብወገን ምድረ በዳ ኣቢሉ ኸደ።