12 እቲ ወሰኖም ብወገን ሰሜን ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይጅምር፤ ብሰሜናዊ ፀግዒ ኢያሪኮ ደዪቡ፤ ንምዕራብ ወገን ኣቢሉ በቲ ዀረብታታት ሓሊፉ ናብ ምድረ በዳ ቤትኣዌን ይሓልፍ።
እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም።
“ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ።
ኣብ ጊብዓ ቀርኒ፥ ኣብ ራማ ኸዓ መለኸት ንፍሑሞ፤ ካብ ቤትኣዌን “ኣታ ብንያም፥ ብድሕሬኻ” ኢልኩም ኣእውዩ።
እቲ ንደቂ ዮሴፍ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ድማ ኻብ ዮርዳኖስ ጥቓ ኢያሪኮ፥ ብወገን ምብራቑ ንማይ ኢያሪኮ፥ ካብ ኢያሪኮ ድማ በቲ ናብ ደጕዓ ቤቴል ዘድይብ ምድረ በዳ ወፀ።
እቲ ዕፃ ንነገድ ብንያም ከከም ዓሌቶም በፅሖም። እቲ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸዓ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ነበረ፦
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኻብ ሽጢም ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ብሕቡእ ሰዲዱ፥ “ኬድኩም ነታ ምድርን፥ ንኢያሪኮን ሰልይዋ” በሎም። ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ረኣብ ናብ እትበሃል ገዛ ኣመንዝራ ኣተዉ፤ ኣብኡውን ሓደሩ።
እቲ ኻብ ላዕሊ ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ቆመ። ኣብ ርሑቕ፥ ኣብታ ኣብ ጥቓ ፃርታ ዘላ፥ ኣዳም እትበሃል ከተማ ኸም ኲምራ ኾይኑ ተቘለለ። እቲ ናብ ባሕሪ ዓረባ ናብ ባሕሪ ጨው ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ከዓ ፈፂሙ ኣቋረፀ። እቲ ህዝቢ ድማ ብመንፅር ኢያሪኮ ተሳገረ።
ኢያሪኮ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ፈፂማ ተዓፅያ ነበረት። ካብኣ ዝወፅእ ኾነ ናብኣ ዝኣቱ ኣይነበረን።
ኢያሱ ድማ ኻብ ኢያሪኮ ብምብራቕ ቤቴል ኣብ ጥቓ ቤት ኣዌን ናብ ዘላ ጋይ እትበሃል ከተማ ሰባት ሰደደ፤ “ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ” ድማ በሎም። እቶም ሰባት ከዓ ደዪቦም ንጋይ ሰለይዋ።
ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ዝተስዓሩ መሲሎም ብመንገዲ ምድረ በዳ ሃደሙ።
ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ፈረሰኛ፥ ብዝሒ ህዝቢ ድማ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ኾይኖም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት ኣዌን ዘላ ማክማስ ሰፈሩ።