1 ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።
ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ድንኳንን ኣብ መሕደሪን እየ ዝነበርኩ እምበር ኣብ ቤት ኣይነበርኩን።
ኢዮርብዓም ድማ ንሰበይቱ “ንዒ በይዛኺ፥ ሰበይተይ ምዃንኪ ኸይትፍለጢስ፥ ክዳንኪ ለውጢ፤ ናብ ሴሎ ኸዓ ኺዲ። እንሆ፥ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዝነግስ ዝተዛረበ ነቢይ ኣኪያ ኣብኣ ኣሎ።
ሰበይቲ ኢዮርብዓም ድማ ተሲኣ ናብ ሴሎ ኸደት፤ ናብ ቤት ኣኪያውን ኣተወት። ኣኪያ ግና ኣዒንቱ ብእርጋን ፈዚዘን ነበራ እሞ ኽርኢ ኣይከኣለን።
እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ፥ ኣብ ሴሎ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም፥ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ኮይኑ ኻብ ምግልጋል ሰዓሮ።
እቶም ደቆም ከዓ ነታ ሃገር ኣትዮም ወረስዋ፤ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነዓናውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኻዮም፥ ንነገስታትን ንህዝብታት እታ ሃገርን፥ ዝደለዩ ኽገብርዎም ድማ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
ነታ መሕደሪ ሴሎ፥ እታ ኣብ ማእኸል ሰብ ሓዲሩላ ንዝነበረ ድንኳኑ ሓደጋ።
ንፀላእቱውን ብድሕሪኡ ቐተለ፤ ናይ ዘለኣለም ሓሳርውን ሃቦም።
ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሴሎ ኽገብራ እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።”
ስለ ምንታይ ኢኻ፤ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸም ሴሎ ኽትከውን እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዝነብረላ ዘይብላ ዑና ኽትከውን እያ” ኢልካ ብስም እግዚኣብሄር ዝተነበኻ? እናበሉ ንኤርሚያስ ከበብዎ።
ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ።
ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ፥ ካብ ገፅ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ፀንሐት።
እንተ ኾነ ኻብ ደቂ እስራኤል ርስቶም ዘይተቐበሉ ሸውዓተ ነገድ ተሪፎም ነበሩ።
እቶም ሰባት ድማ ተሲኦም ከዱ። ኢያሱ ኸዓ ነቶም ነታ ምድሪ ኽመቕልዋ ዝኸዱ፥ “ኺዱ ነታ ምድሪ እናዞርኩም ፀሓፍዋ፤ ናባይ ድማ ተመለሱ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም።
ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሴሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም፥ ብዕፃ ዝተማቐልዎ ርስትታት እዙይ እዩ። ምምቓል እታ ምድሪ ኸዓ ብኸምዙይ ተፈፀመ።
ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም።
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ደዪቦም ምስኣቶም ንምውጋእ ኣብ ሴሎ ተኣከቡ።
እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ዝረኸሰት እንተ መሰለት፥ ናብታ መሕደሪ እግዚኣብሄር ተሰሪሓታ ዘላ ምድሪ እግዚኣብሄር ንዑ፤ ኣብ ማእኸልናውን ርስቲ ውሰዱ፤ ብዘይ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻልእ መሰውኢ ብምስራሕኹም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌናን ኣይተዓምፁ።
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ።
እታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ኽሳዕ ዝነበረትሉ ዅሉ ዘመን፥ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ፅሩብ ምስሊ ንኣኣቶም ኣቚሞምዎ ነበሩ።
ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ዘይፈልጣ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ደናግል ኣጓላት ረኸቡ። ንሳቶም ከዓ ንኣኣተን ናብ ሰፈር፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ኣምፅእወን።
“ሕዚ ኸዓ ኣብታ ንቤቴል ብሰሜና፥ ነታ ኻብ ቤቴል ንሴኬም እተድይብ መንገዲ ብምብራቓ፥ ንለቦና እውን ብደቡባ ኣብ ዘላ ሴሎ፥ በዓል እግዚኣብሄር በብዓመቱ ይግበር እዩ” በሉ።
እቲ ህፃን ጡብ ምስ ሓደገ ኸዓ፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፥ ወዳ ሒዛ ናብ ሴሎ ደየበት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ህፃን ገና ንእሽተይ ነበረ።
ሕልቃና ኸዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግድን መስዋእቲ ኸቕርብን በብዓመት ካብ ከተማኡ ናብ ሴሎ ይድይብ ነበረ። ካህናት እግዚኣብሄር ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኣፍኒንን ፊንሃስን፥ ኣብኡ ነበሩ።