9 እቲ ወሰን ከዓ ናብ ሩባ ቓና ብደቡብ እቲ ሩባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ኣብ ማእኸል ከተማታት ምናሴኳ እንተ ሃለዋ፥ ትሕዝቶ ኤፍሬም ኮና። ወሰን ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ሩባ ኣቢሉ ናብ ማእኸል ባሕሪ ይበፅሕ።
ብምዕራብ ከዓ ናብ ወሰን ያፍለጣውያን ክሳዕ ወሰን ታሕተዋይ ቤትሖሮንን ክሳዕ ጌዝርን ይወርድ፤ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ድማ ይበፅሕ።
ደቡብ ንኤፍሬም፥ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፤ ወሰኑ ኸዓ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ከዓ ናብ ይሳኮር ይበፅሕ።
እቲ ወሰን ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ ዝተዓረደት ከተማ ጢሮስ ይበፅሕ፤ ከምኡውን ወሰኑ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይሓልፍ።