8 ምድሪ ታጱዋ ንምናሴ ኾነት፤ እታ ኣብ ወሰን ምናሴ ዘላ ኸተማ ታጱዋ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኮነት።
ኣብ ወሰን ምናሴ ኸዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
ንጉስ ታጱዋ፥ ንጉስ ኦፌር፥
ዛኖዋን ዓይንገኒምን ታጱዋን ዓይናምን፥
ያኒምን ቤትታጱዋ ኣፌቃ፥
ካብ ታጱዋ እቲ ወሰን ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ሩባ ቃና ሓሊፉ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይበፅሕ። ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌታቶም እዙይ እዩ።
ወሰን ምናሴ ድማ ኻብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንፅር ሴኬም ዘላ ሚክመታት ኮነ። እቲ ወሰን ከዓ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔይን ታጱዋ ዝነብሩ ይሓልፍ።