5-6 እተን ኣጓላት ምናሴ ኣብ ማእኸል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፥ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ገለዓድን ባሳንን፥ ዓሰርተ ዕፃ በፅሖ። ምድሪ ገለዓድ ከዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኾነት።
ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥
ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ።
ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕን ቀሪበን “እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእኸል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ። ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።
ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ኢያሱ ነቲ ፍርቂ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሃቦም። ኢያሱ ናብ ዓዶም ክሰዶም እንተሎ መረቖም፤