2 ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ኸከም ዓሌቶም ዕፃ በፅሖም፤ ንደቂ ኣቢዔዝርን ንደቂ ኬሌግን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ኦፌርን ንደቂ ሸሚዳን፤ ኣወዳት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
ሓፍቱ መለኬት ከዓ ንኢሱዲን ንኣቢዔዝርን ንመሕላን ወለደት።
ምናሴ ንዮሴፍ በዅሪ ወዱ ስለ ዝኾነ ብፅሒቱ እዙይ እዩ፦ ማኪር በዅሪ ወዱ ንምናሴ፥ ንገለዓድ ከዓ ኣቦኡ፥ ተዋጋኣይ ሰብኣይ ነበረ። ስለዙይ ንገለዓድን ንባሳንን ወረሳ።
ግና ሰለጰኣድ፥ ወዲ ኦፌር ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ኣጓላት ጥራሕ እምበር፥ ኣወዳት ኣይነበርዎን፤ ስም እተን ኣዋልዱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ማሕላ፥ ኖዓ፥ ዔግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መፂኡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ዖፍራ ዘላ ናይ ኢዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፥ ዓባይ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጌዴዎን ድማ ኻብ ምድያማውያን ክሓብእ፥ ስርናይ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ።
ንሱ ድማ “እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ምስቲ ናታትኩም ክነፃፀር እንተሎ ኣብ ቍፅሪ ዝኣቱ ኣይኮነን፤ ደሓር ከዓ ኻብ ምህርቲ ወይኒ ኢይዝራኤልስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይሐይሽን?