18 እቲ ዀረብታታት ድማ ንኣኻትኩም ይኹን፤ ዱር እኳ እንተ ኾነ፥ ለቢድኩም ኣቕንዑ እሞ ዅሉ ናታትኩም ክኸውን እዩ። ነቶም ከነዓናውያን ከዓ፥ ሰረገላ ሓፂን እኳ እንተ ሃለዎም፥ ሓያላትውን እንተ ኾኑ፥ ክተውፅእዎም ኢኹም” በሎም።
ቀስቱ ግና ፀኒዑ ይነብር፤ ቀላፅም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፥ በቲ ሓላዊን ኰዅሒ እስራኤልን ፀንዐ።
እቲ ህዝቢ ከዓ ንደቂ እስራኤል ክዋግኦም ናብ ሜዳ ወፀ፤ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኮነ።
እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።
ግርማ ዮሴፍ ከም በዅሪ ኣርሒ እዩ፤ ኣቕርንቱ ኸም ሓደ ዝቐርኑ ሓርሽ እዮም፤ ብኣኣቶም ገይሩ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ንዘለዉ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ይወግኦም፤ እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።”
ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።
ንዅሎም ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ሲዶናውያን፥ ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ጌርካ ኣካፍሎም።
ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ።
ኢያሱ ኸዓ ንቤት ዮሴፍ፥ ንኤፍሬምን ንምናሴን፥ “ንስኻትኩም ብዙሕ ህዝቢ ኢኹም፤ ዓብዪ ሓይሊውን ኣለኩም፤ ሓደ ዕፃ ጥራሕ ኣይኮነን ዝብፅሐኩም፥
ስለዙይውን ኣብ ኰረብታታት ንፍታሌም ነታ ኣብ ገሊላ ዘላ ቃዴስ፥ ኣብ ኰረብታ ኤፍሬም ድማ ሴኬም፥ ኣብ ኰረብታታት ይሁዳ ኸዓ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን ፈለዩ።
ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ።