14 ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ።
ኣቦኡ ግና ኣበዮ፥ “ፈሊጠ ኣለኹ፤ ወደይ ፈሊጠ ኣለኹ። ዘርኢ ምናሴ ዓብዪ ህዝቢ ክኸውን እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ሓዉ ግና ኻብኡ ኽዓቢ እዩ፤ ዘርኡውን ብዙሕ ኣህዛብ ክኸውን እዩ” በሎ።
ስለዙይ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ኢሉ መረቖም፦ “ ‘እግዚኣብሄር፥ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ እናበሉ እስራኤል ክምርቑ እዮም።” ያእቆብ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።
እንሆ እታ ኣነ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሴኬም ድማ፥ ሕልፊ ኣሕዋትካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
ኣብ ወሰን ምናሴ ኸዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፥
ነቶም ብዙሓት ከም ብዝሖም፥ ነቶም ውሑዳት ከዓ ኸም ምውሓዶም ርስቲ ሃቦም፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ቍፅሩ ርስቱ ይውሃቦ።
ካብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተመርዓዋ፤ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኣተን ተረፈ።
ደቂ ዮሴፍ፥ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ርስቶም ወሰዱ።
ኢያሱ ኸዓ “ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንኩም እሞ ዀረብታታት ኤፍሬም እንተ ደኣ ፀቢቡኩም፤ ኣብ ምድሪ ፈሪዛውያንን ራፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይቡሞ ኣብኡ ንኣኻትኩም ለቢድኩም ኣቕንዑ” በሎም።