12 ግና ከነዓናውያን ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ስለ ዝቘረፁ ደቂ ምናሴ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከውፅእዎም ኣይከኣሉን።
ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ከጥፍእዎም ዘይከኣሉ፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ተገዲዶም ዝሰርሑ ባሮት ገበሮም።
ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኢያቡሳውያን ግና፥ ደቂ ይሁዳ ኸውፅእዎም ኣይከኣሉን። ስለዙይ ኢያቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ።
ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ እቶም ከነዓናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፤ ናይ ጕልበት ግብሪውን የኽፍልዎም ነበሩ።