11 ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፥ ቤትሳንን ቁሸታታን፥ ይብልዓምን ቁሸታታን፥ ኣብ ዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ዔንዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ታዕናክ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ መጊዶ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ኾና።
ዳዊት ድማ ኸይዱ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ወሰደ። (ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ፤ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ ኻብቲ ኣደባባይ ቤትሳን ሰሪቖም ወሲዶምዎም ነበሩ።)
ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስቱን ሚሎንን መካበብያ ኢየሩሳሌምን ሓፆርን መጊዶን ጌዝርን ዝሰርሑ ወገናት መልሚሉ ነበረ።
ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዙይ ምስ ረአየ፥ ብመንገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። ኢዩ ግና “ንእኡውን ውግእዎ” እናበለ ደድሕሪኡ ሰዓበ። ኣብታ ጥቓ ይብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከዓ ኣብ ሰረገላኡ እንተሎ ወግእዎ። ግና ኽሳዕ መጊዶ ሃደመ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ።
ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀኣት፥ ዓኔርን ቢልዓምን ዝበሃላ ኸተማታት መምስ መዋፈሪኣተን ሃብዎም።
ብወሰን ደቂ ምናሴ ኸዓ፥ ቤትሳንን ከተማታታን፥ ታዕናክን ከተማታታን፥ መጊዶን ከተማታታን፥ ዶርን ከተማታታን። ደቂ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ኣብዚኣተን ይቕመጡ ነበሩ።
ኢዮስያስ ግና ኽዋጋእ ተበረታተዐ እምበር፥ ገፁ ኻብኡ ኣይመለሰን፤ ካልእ ሰብ ምእንቲ ኽመስል ኢሉ ኸዓ ኽዳውንቱ ለወጠ። ነቲ ብኣፍ እግዚኣብሄር ዝተነግረ ቓል ኒካዑ ኣይሰምዖን፤ ስለዙይ ኣብ ለሰ መጊዶ ኽዋጋእ ከደ።
ንሳቶም ኣብ እንዶር ጠፍኡ፤ ከም ጐሓፍ ምድሪ እውን ኮኑ።
ግና ኣብ ረባት ከተማ ደቂ ኣሞን ድምፂ ውግእ ዘስምዐሉ ጊዜ ይመፅእ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ኽትዓኑ እያ፤ እተን ኣዋልዳ ብሓዊ ኽቓፀላ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከምቲ ንሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ ዝበኸዩሉ ብኽያት፥ ከምኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ክኸውን እዩ።
ናብቶም ብሰሜን ኣብ ደጕዓን ኣብ ጐልጐልን፥ ብደቡብ ኪኔሬት ድማ ኣብ ቈላን፥ ኣብ ምዕራብ በረኽቲ ዶርን ናብ ዝነበሩ ነገስታት ለኣኸ።
ንጉስ ታዕናክ፥ ንጉስ መጊዶ፥
ንጉስ ዶር ኣብ በረኽቲ ዶር ዝነበረ፥ ንጉስ ኣህዛብ ጌልገላ፥
ብዘይ እዙይ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ምናሴ እንተለዋ ንደቂ ኤፍሬም ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ቍሸታተንውን ይውስኽ።
ደቡብ ንኤፍሬም፥ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፤ ወሰኑ ኸዓ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ከዓ ናብ ይሳኮር ይበፅሕ።
ደቂ ዮሴፍ ድማ “እቲ ዀረብታታት ኣይኣኽለናን እዩ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዝነብሩ ከነዓናውያን፥ እቶም ኣብ ቤትሳናን ኣብ ቁሸታታን ዝነብሩ ኾነ፤ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ዝነብሩ፥ ኵላቶም ሰረገላታት ሓፂን ኣለዎም” በሉ።
ደቂ ምናሴ ነቶም ኣብ ከተማታት ቤትሳንን ኣብ ከባቢኣን፥ ታዓናቅን ኣብ ከባቢኣን፥ ዶርን ኣብ ከባቢኣን፥ ይብልዓምን ኣብ ከባቢኣን፥ መጊዶንን ኣብ ከባቢኣን፥ ይነብሩ ንዝነበሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን። ከነዓናውያን ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኽነብሩ ቘረፁ።
ነገስታት መፂኦም ተዋግኡ፤ ኣብ ታዕናክ፥ ኣብ ማያት መጊዶ፥ ነገስታት ከነዓን ተዋግኡ፤ ግና ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን።
ሽዑ ሳኦል ንሹመኛታቱ “ናብኣ ኸይደ ኽጥይቕስ፥ መናፍስቲ እትፅውዕ ጠንቋሊት ሰበይቲ ድለዩለይ” በሎም። እቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ምስ ምዉታት እተራኽብ ጠንቋሊት ሰበይቲ እኒሃ፥ ኣብ ዔይንዶር ኣላ” በልዎ።
ነቲ ኣፅዋሩ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ኣስታሮት ኣንበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቅፅሪ ቤትሳን ሰቐልዎ።
ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ድማ ተሲኦም ምሉእ ለይቲ ግስግስ ሓዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቅፅሪ ቤትሳን ወሰድዎ። ናብ ኢያቢስ መፂኦም ከዓ ኣብኡ ኣቃፀልዎ።