10 ደቡብ ንኤፍሬም፥ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፤ ወሰኑ ኸዓ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ከዓ ናብ ይሳኮር ይበፅሕ።
ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፥ ቤትሳንን ቁሸታታን፥ ይብልዓምን ቁሸታታን፥ ኣብ ዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ዔንዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ታዕናክ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ መጊዶ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ኾና።
እቲ ወሰን ከዓ ናብ ሩባ ቓና ብደቡብ እቲ ሩባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ኣብ ማእኸል ከተማታት ምናሴኳ እንተ ሃለዋ፥ ትሕዝቶ ኤፍሬም ኮና። ወሰን ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ሩባ ኣቢሉ ናብ ማእኸል ባሕሪ ይበፅሕ።