9 ብዘይ እዙይ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ምናሴ እንተለዋ ንደቂ ኤፍሬም ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ቍሸታተንውን ይውስኽ።
ኣብ ልዕሊ ገለዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ኢይዝራኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።
እቲ ዝሓዝዎን ዝተቐመጥዎን ምድሪ እዙይ እዩ፦ ቤትኤልን ከተማታታን፥ ብምብራቕ ናዓራን፥ ብምዕራብ ጌዘር ምስ ከተማታታ፥ ሴኬምን ከተማታታን ድማ ኽሳዕ ጋዛን ከተማታታን፥
ኣብ ወሰን ምናሴ ኸዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ እቶም ከነዓናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፤ ናይ ጕልበት ግብሪውን የኽፍልዎም ነበሩ።
ካብ ታጱዋ እቲ ወሰን ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ሩባ ቃና ሓሊፉ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይበፅሕ። ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌታቶም እዙይ እዩ።
እቲ ወሰን ከዓ ናብ ሩባ ቓና ብደቡብ እቲ ሩባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ኣብ ማእኸል ከተማታት ምናሴኳ እንተ ሃለዋ፥ ትሕዝቶ ኤፍሬም ኮና። ወሰን ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ሩባ ኣቢሉ ናብ ማእኸል ባሕሪ ይበፅሕ።