Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 16:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ካብ ታጱዋ እቲ ወሰን ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ሩባ ቃና ሓሊፉ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይበፅሕ። ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌታቶም እዙይ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 16:8
10 Referencias Cruzadas  

ኣብ ልዕሊ ገለዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ኢይዝራኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።


እቲ ዝሓዝዎን ዝተቐመጥዎን ምድሪ እዙይ እዩ፦ ቤትኤልን ከተማታታን፥ ብምብራቕ ናዓራን፥ ብምዕራብ ጌዘር ምስ ከተማታታ፥ ሴኬምን ከተማታታን ድማ ኽሳዕ ጋዛን ከተማታታን፥


ኣብ ወሰን ምናሴ ኸዓ፥ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ፥ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።


ብወገን ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕሪ ወሰን ይኹነልኩም።


ንጉስ ታጱዋ፥ ንጉስ ኦፌር፥


ብዘይ እዙይ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ምናሴ እንተለዋ ንደቂ ኤፍሬም ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ቍሸታተንውን ይውስኽ።


ወሰን ምናሴ ድማ ኻብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንፅር ሴኬም ዘላ ሚክመታት ኮነ። እቲ ወሰን ከዓ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔይን ታጱዋ ዝነብሩ ይሓልፍ።


ካብኡ ናብ ዔብሮንን ናብ ራኣብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና ይበፅሕ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos