6 እቲ ወሰን ብወገን ምዕራብ ከዓ ንሰሜን ሚክምታት ይበፅሕ፤ እቲ ወሰን ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ተኣናትሴሎ ዘይሩ ናብ ምብራቕ ኢያኖክ ይሓልፍ።
ካብ ኢያኖክ ኸዓ ናብ ዓጣሮትን ናብ ንዓራትን ይወርድ፤ ናብ ኢያሪኮ በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ።
ወሰን ምናሴ ድማ ኻብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንፅር ሴኬም ዘላ ሚክመታት ኮነ። እቲ ወሰን ከዓ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔይን ታጱዋ ዝነብሩ ይሓልፍ።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም።