4 ደቂ ዮሴፍ፥ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ርስቶም ወሰዱ።
ነቲ ኻልኣይ ድማ፥ “እግዚኣብሄር መከራ ኣብ ዝተቐበልኩላ ምድሪ ኣፍረየኒ ኢሉ ኤፍሬም” በሎ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፥ ወሰናታ እዙይ እዩ፤ ዮሴፍ ክልተ ዕፃ ኽረክብ እዩ።
እዙይ ከዓ ደቂ ዮሴፍ፥ ነገድ ምናሴን ነገድ ኤፍሬምን ተብሂሎም ኣብ ክልተ ስለ ዝተመቕሉ እዩ። ንሌዋውያን ግና፥ ብዘይ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን መውፈሪ ዝኾና ኸባቢአን፥ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃቦምን።
ወሰን ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ፦ ወሰን ርስቶም ብምብራቕ ኣጣሮትኣዳር ክሳዕ ላዕለዋይ ቤትሖሮን እዩ።
ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ።
ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ኸዓ ይምቀልዋ፤ ይሁዳ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍ እውን ከምኡ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ሰሜን ይቀመጥ።