2 ካብ ቤቴል ናብ ሎዛ ወፂኡ ኸዓ፥ ብወሰን ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሓልፍ።
ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ኢሉ ሰመያ።
ዳዊት ከዓ ናብ ርእሲ እቲ እምባ፥ ናብታ ንእግዚኣብሄር ዝስገደላ ቦታ ምስ መፀ፥ እንሆ፥ እቲ ኣርካዊ ኵሲ፥ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኽራኸቦ መፀ።
ኣቤሴሎም ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ እንተሎ ኵሲ ፈታዊ ዳዊት ከዓ ኣብኣ በፅሐ።
ኵሲ በዓል ኣርኪ፥ ፈታዊ ዳዊት፥ ናብ ኣቤሴሎም ከይዱ፥ ንኣቤሴሎም “ንጉስ ህያው ኩን፥ ንጉስ ህያው ኩን” በሎ።
ኣኪጦፌል ድማ መማኸሪ ንጉስ ነበረ። ኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ዓርኪ ንጉስ ነበረ።
እቲ ዝሓዝዎን ዝተቐመጥዎን ምድሪ እዙይ እዩ፦ ቤትኤልን ከተማታታን፥ ብምብራቕ ናዓራን፥ ብምዕራብ ጌዘር ምስ ከተማታታ፥ ሴኬምን ከተማታታን ድማ ኽሳዕ ጋዛን ከተማታታን፥
ካብኡ ኸዓ ናብቲ ደቡባዊ ፀግዒ ሎዛ፥ ናብ ቤቴል ይሓልፍ። በቲ ናብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤትሖሮን ዘሎ ጎቦ ኣቢሉ ድማ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ።