Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 16:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ እቶም ከነዓናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፤ ናይ ጕልበት ግብሪውን የኽፍልዎም ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 16:10
12 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስቱን ሚሎንን መካበብያ ኢየሩሳሌምን ሓፆርን መጊዶን ጌዝርን ዝሰርሑ ወገናት መልሚሉ ነበረ።


ጌዝር፥ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ደዪቡ ዝሓዛ፥ ብሓዊ ኣቃፂሉ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነዓናውያን ከዓ ቐቲሉ፥ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን ኣግዚምዋ ዝነበረት ከተማ እያ።


ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ከጥፍእዎም ዘይከኣሉ፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ተገዲዶም ዝሰርሑ ባሮት ገበሮም።


ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ገባራት ገይሩ ግዙኣት ገበሮም።


ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።


ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኢያቡሳውያን ግና፥ ደቂ ይሁዳ ኸውፅእዎም ኣይከኣሉን። ስለዙይ ኢያቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ።


ብዘይ እዙይ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ምናሴ እንተለዋ ንደቂ ኤፍሬም ዝተውሃባ ኸተማታት መምስ ቍሸታተንውን ይውስኽ።


ግና ከነዓናውያን ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ስለ ዝቘረፁ ደቂ ምናሴ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከውፅእዎም ኣይከኣሉን።


ደቂ እስራኤል ምስ ሓየሉ ኸዓ፥ ነቶም ከነዓናውያን ናይ ጕልበት ግብሪ ኣገበርዎም እምበር፥ ኣይሰጐጕዎምን።


ደቂ ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዝነብሩ ከነዓናውያን ካብታ ኸተማ ኣየውፅእዎምን፤ እቶም ከነዓናውያንውን ኣብ ማእኸሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos