Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 15:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 በቲ ለሰ ወዲ ሄኖም ገይሩ፥ ናብ ፀግዒ ደቡብ ናብታ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም ይድይብ። ናብ ወገን ምዕራብ፥ ናብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ራፋይም፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሄኖም ዘሎ እምባ ይድይብ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 15:8
17 Referencias Cruzadas  

ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ።


ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ደዪቦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ።


ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንጣዖት ሞሎክ ብሓዊ ምእንቲ ኸይስውእ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሄኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ።


ዳዊትን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳ ቐደም ኢያቡስ ትብሃል ነበረት። ኢያቡሳውያን ከዓ ኣብኣ ይቕመጡ ነበሩ።


ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከዓ ዕጣን ዓጠነ፤ ከምቲ ዘፀይፍ ልምዲ ናይቶም ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸዓ፥ ንደቁ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንጣዖት ኣቕረበ።


ኣብ ዛኖዋን ኣብ ዓዶላምን ኣብ ከባቢኣን፥ ኣብ ለኪሶንን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዜቃን ኣብ ከባቢኣን ተቐመጡ። ስለዙይ ደቂ ይሁዳ ኣብተን ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ለሰ ሄኖም ዘለዋ ዓድታት ሰፈሩ።


ከምቲ ዓፃዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ፥ ብኢዱ ኣኪቡ ነቲ ጕንቦ ዝዓፅዶ ክኸውን እዩ። ኣብ ለሰ ራፋይም ዝቕረም ከምኡ ክኸውን እዩ።


ኤርሚያስውን ካብቲ እግዚኣብሄር ትንቢት ክናገር ልኢኹዎ ኻብ ዝነበረ ቦታ ኻብ ቶፌት ተመለሰ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ደው በለ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ በሎም፦


በቲ ‘በሪ ሰራሕቲ መሬት’ ዝበሃል ሓሊፍካ ናብቲ ለሰ ሂኖም ውፃእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ተናገር።


ስለዙይ ከዓ፥ እዝ ስፍራ እዙይ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኢያቡሳውያን ግና፥ ደቂ ይሁዳ ኸውፅእዎም ኣይከኣሉን። ስለዙይ ኢያቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ።


ቀፂሉ ኸዓ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንፅር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ እምባ ይወርድ፤ እዙይ ንለሰ ራፋይም ብሰሜኑ እዩ። ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ፀግዒ ደቡብ ኢያቡሳውያን ኣንቈልቊሉ፥ ናብ ዔንሮጌል ይወርድ።


ፄላን ኤሌፍን፥ ኢየሩሳሌም፥ እትበሃል ከተማ ኢያቡስ፥ ቂርያትጊብዓትን፥ ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ።


ግና ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኢያቡሳውያን ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን። እቶም ኢያቡሳውያን ከዓ ኽሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ ኢየሩሳሌም ኣለዉ።


ደቂ ይሁዳ ድማ ንኢየሩሳሌም ተዋጊኦም ሓዝዋ። ንህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ነታ ኸተማ ድማ ብሓዊ ኣባርዕዋ።


እቲ ሰብኣይ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኽሓድር ስለ ዘይደለየ ተሲኡ ኸደ፤ ኢየሩሳሌም ናብ ዝተብሃለት ኣብ መንፅር ኢያቡስ ከዓ በፅሐ። እተን ክልተ ፅዑናት ኣእዱግን እታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ድማ ምስኡ ነበራ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos