Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 15:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 እቲ ወሰን ከዓ ኻብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፤ ከምኡ ኸዓ ናብ ሰሜን፥ ንጌልገላ ኣቢሉ ይጥምት፤ ንሱ ኸዓ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወገን ደቡቡ ነቲ ሩባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፤ እቲ ወሰን ድማ ንማይ ዔይን ሳሚስ ይሓልፍ፤ ናብ ዔንሮጌል ይወፅእ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 15:7
13 Referencias Cruzadas  

ዮናታንን ኣኪማኣስን ድማ ኣብ ዔንሮጌል ተሪፎም ነበሩ፤ ምእንቲ ኸይረኣዩ ተገሊፆም ናብ ከተማ ኽኣትዉ ኣይከኣሉን። ስለዙይ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፤ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ።


ኣዶንያስ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዓይንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔሌት ኣባጊዕን ከፍትን ስቡሓት ጣዓዉን ሓረደ። ንዅሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዅሎም ሹመኛታት ንጉስ ዝኾኑ ሰብ ይሁዳን ከዓ ፀውዖም።


ነቶም ዝደልዩኒ ህዝበይ፥ ለሰ ሳሮን መውፈሪ ኣባጊዖም ክኸውን እዩ፤ ለሰ ኣኮር ድማ መዕየሚ ኸፍቲ ክኸውን እዩ።


እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።


ድሕሪዙይ ኢያሱን ህዝቢ እስራኤልን ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሱ።


ካብ ኬብሮን ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ደየበ። ዳቤር ቀደም ቅርያትሴፌር ትብሃል ነበረት።


እቲ ወሰን ከዓ ንቤት ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት ዓረባ ይሓልፍ፥ እቲ ወሰን ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ።


ቀፂሉ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ቤት ሳሚስ ይድይብ፤ ናብቲ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ደዪቡ ኸዓ፥ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ።


እቶም ህዝቢ ድማ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ዮርዳኖስ ወፁ፤ ብወሰን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጌልገላ ኸዓ ሰፈሩ።


ሽዑ ኢያሱን ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ንኣካን ወዲ ዛራን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን፥ ነወዳቱን ነጓላቱን ከፍቱን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ናብ ለሰ ዓኾር ወሰድዎም።


ኣብ ልዕሊኣቶም ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨቝሊ እምኒ ጨቈሉ። ስለዙይ ከዓ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ ዓኾር ትብሃል ኣላ። እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ረስኒ ቝጥዓኡ ተመለሰ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos