Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 15:60 - መፅሓፍ ቅዱስ

60 ቂርያትይዓሪም፥ ወይ ቂርያትበኣል ረባት። ክልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ኣለዋ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 15:60
8 Referencias Cruzadas  

ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፦ ሆር፥ ኤፍራታ ዝወለዶ በዅሪ ወዱ ሶባል፥ ንሱ ኸዓ ንቂርያትይዓሪም ወለደ።


ማዓራት ቤትዓኖት ኤልትቆን። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቍሸታት ኣለዋ።


ኣብ በረኻ ቤትዓረባ ሚዲን ስካካ፥


ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ።


እቲ ወሰን ድማ ቐፂሉ ኻብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ብደቡብ ዘሎ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት በዓል፥ ወይ ቂርያት የዓሪም፥ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወፅእ። እዙይ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ።


ደቂ እስራኤል ድማ ኻብቲ ዝነበርዎ ተልዒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብተን ጊብዓን ከፌራን ቤኤሮትን ቂርያት የዓሪምን ዝበሃላ ኸተማታቶም በፅሑ።


ነቶም ኣብ ቂርያትይዓሪም ዝነብሩ ሰባት ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እግዚኣብሄር መሊሶምዎ እዮም እሞ፥ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም።


እቶም ሰብ ቂርያትይዓሪም ድማ መፂኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኰረብታ ዘላ ቤት ኣሚናዳብ ኣእተውዎ፤ ንወዱ ኣልኣዛር ከዓ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቐደስዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos